الأحد، 2 نوفمبر 2008

ሓርበኛ ተጋዳላይ መሓመድ እስማዒል ዓብዱ
Awate - Featured Articles
By ብመሓመድ ብርሃን ብላታ -
Oct 05, 2008

ሓርበኛ ኣይነብርን እዩ ታሪኹ እዩ ዝነብር
ተዘኩሮታተይ ምስ ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ እስማዒል ዓብዱ

ገዲም ተጋዳላይ ሸኽ መሓመድ እስማዒል ዓብዱ ንጹህ ኤርትራዊ ዜጋ ኮይኑ ኣብ ከተማ ሰንዓፈ ተወሊዱ ዝዓበየ ክኸውን ከሎ መባእታዊ ትምህርቱ ብቋንቋ ዓረብ ኣብ ከተማ ሰንዓፈ ክወስዶ ከሎ እቶም መባእታዊ ትምህርቶም ብቋንቋ ዓረብ ዝመሃሩ ዝነበሩ እሞ ቀዳማይ ደረጃ ክመሃሩ ኣብ ዝነብሩለን ከተማታቶም ንክቕጽሉ ዕድል ስለ ዘይነበሮም ንክቕጽሉዎ ምእንቲ ናብ ከተማ ከረን ይላኣኹ ስለ ዝነበሩ መሓመድ እስማዒል ዓብዱ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ካብ ዝተፋላለያ ከተማታት ኤርትራ ዝለኣኹ ዝነበሩ ተማሃሮ ኮይኑ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ጉዱሳትን ሁርኩታትን ተማሃሮ ከም ዝነበረ ኩሎም መማህራኑን መማህርቱን ዝምስክሩዎ ዝነበሩ ሓቂ እዩ።
ሸኽ ማሓመድ እስማዒል ዓብዱ ኣብ ትምህርቱ እዝዩ ጉዱስን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሕ እሞ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብዝቐሰሞ ትምህርቱ ከም ኤርትራዊ ዜጋ ኣወንታዊ ግዴኡ ከበርክት ናይ ነዊሕ ሕልሙን ጠመቱኡን ስለ ዝነበረ እዚ ቁዱስ ሕልሙ ኣብቲ ግዜ’ቲ ብቋንቋ ዓረብ ኣብ ዝነብረላ ሃገሩ ኤርትራ ክረኽቦ እቲ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ ስለዝነበረ ናብ ሃገር ግብጺ ከተማ ካይሮ ክኸይድ ዕድል ረኺቡ ኣብ ከተማ ካይሮ ካላኣይ ደረጃ ወዲኡ ትምህርቱ ቀጺሉ ብክብ ዝበለ ዘኹርዕ ደረጃ ብንግዲ ከም ዝተመረቐ ይፍለጥ።
ሸኽ መሓመድ እስማዒል ዓብዱ ኣብ ካይሮ ትምህርቱ ምስ ወደአ፡ ብቕጥታ ናብ ኣዝዩ ዝናፍቓን ብልቡ ዝተመነያን ዓቢ ተስፋ ዘንበረላ ሃገሩ ኤርትራ ተመሊሱ ኣብ ኣስመራ እትርከብ ብቤት ትምህርቲ ( ኣልጃልያ ኣልዓረብያ ) ትፍለጥ ዝነበረት ከም ሓላፍን መምህርን ኮይኑ ብዝውንኖ ክብ ዝበለ ደረጃ ትምህርታዊ ዓቕሙ ምርኩስ ብምግባር ንተማሃሮ ብዓቢ ሕልናን ሃገራዊ ኒሕን ዝተሓውሶ ብጉቡእ ከምህርን ክምልምልን ታሪኻዊ ሓላፍነት ዝወሰደሉ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።
ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ስሳታት ንሃገርና ኤርትራ ዝገዝኣን ዝጸልዋን ዝነበረ ህልዊ ፐሎቲካዊ ኩነታት፡ ማለት ስርዓት ሃይለ ስላሴ ንፈደረሽን ኣፍሪሱ ህዝቢ ብዘይ ድልየቱ ንኤርታራ ሓንቲ ካብተን 13 ጠቕላይ ግዝኣቱ ዝነበራ መበል 14 ንኽትከውን ንዘውጸኦ ተንኮልኛን ሓደገኛን መደባቱ ንምትግባር ዝተፋላለዩ
ስልታት ኣብ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ግዜ፡ ነዚ ብኣጋ ዝተረድኡ ኤርትራዊያን ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ብዝተፋላለዩ ኣገባባት እንዳተጠቕሙ ሰፊሕ ፖሎቲካዊ ምንቅስቓስ የካይዱ ከም ዝነበሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ መሓመድ እስማዒል ዓብዱ ሓደ ካብቶም ኣብ ምንቅስቕስ ሓርነት ኤርትራ ( ብማሕበር ሸውዓተ ዝፍለጥ ዝነበረ ኤርትራዊ ፖሎቲካዊ ውድብ ) ካብ 1958 ክሳብ 1961 ንጡፍ ኣባል ኮይኑ ንካብ ስርዓት ሃይለስላሴን መጋበርያኡ ዝኾኑ ኤርትራዊያን ንክወርዶ ዝኽእል ሓዳጋ ግምት ከይሃበ ንነብሱ ኣወፍዩ ነዚ ምንቅስቓስ’ዚ ብዓቢ ሃገራዊ ሓላፍነትን ሰውራዊ ኒሕን ይመርሖን ኣብ ምእላዩ ዓቢ ገደ ከም ዝነበሮ ውን ይፍለጥ።
እነተኾነ ጸላኢ ብገለ ሃሱሳት ተሓቢሩ ንመሓምድ እስማዒል ኣብ ኣስመራ ወላ እንተ ኣስሮ ከይተዳህለ ንኹሉ ዝወርዶ ዝነበረ ጸጋማት ብተጸዋርነት ክሓልፎ ስለ ዝኸኣለ፡ ጸላኢ ዝኾነ መረጋገጺ ስለ ዘይረኸቡሉ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወላ ንግዜኡ እንተተፈትሖ እቲ ጥርጠራታትን ምክትታልን ቀጻሊ ኮይኑ ኣብ ናይ ተጠንቐቕ ኩነታት ስለ ዘእተውዎ ይንዋሕ ይሕጸር ውን ጸላኢ ከም ዘይምሕሮ ስለ ዝበጽሖ ካብ ክወርዶ ዝኽእል ሓደጋ ድሒኑ ብሱርዓት ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ እንዳትሓገዘ ብሰላም ናብ ሓይልታት ሰውራ ክጽንበር ከም ዝኸኣለ ይፍለጥ።
ሸኽ መሓመድ እስማዒል ዓብዱ ሓደ ካብቶም ውሑዳት መስረትን ዓንዲ ሕቖ ሰውራ ኤርትራ ኮይኑ ኣብ ምጅማር ብረታውን ፖሎቲካውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ካብ 1962 ሓደ ካብቶም ቀንዲ ኣባላት ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክኸውን ከሎ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ኣብ ውሽጢ እቲ ሰፊሕ ህዝቢ ንዝጸንሖ ድልዱል ዝምድናታት ተጠቒሙ ንዕብየትን ምዕባሌን ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣውንታዊ ግደ ክጻወት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ 1964 ናብ መስርዕ ሰራዊት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተጸንቢሩ ብዝለዓለ ተወፋይነትን ፍናንን፡ ወተሃደራውን ፖሎቲካውን ቃልሱ ዝጀመረ ንጽህን ውፉይን ኤርትራ ዝወለደቶ ጅግና ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ኣብ ክሊ እዚ ሰውራዊ መስርሕ’ዚ ከሎ ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ 1964፡ ምስ መሓመድ እስማዒል ዓብዱ ተራኺብና ኣብ ክፍሊ ዜና ተመዲብና ማእከላይ ቤት ጽሕፋትና ኣብ ከሰላ ኮይኑ ንዝተዋህበና ሓላፍነት ብጉቡእ ክንሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንሓድሽ መደብ ዝምልከት፡ ብኣባላት ላዕላዋይ ባይቶ ተ፡ ሓ፡ ኤ፡ ዝተዋህበና መምርሒ ምርኩስ ብምግባር ብሓድሽ ቅዲ ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ኤርትራዊያን ኩነታት ህዝብን ኣድላይነት ብረታዊ ቃልስን ንምግልጽ ኣብ ዝተፋላለያ ከተማታት ሱዳን ዑደት ገርና ዕውት ኣኼታታት ከነካይድ ከሎና፡ ተመሊስና ንሓድሽ ተሞኩሮና ገምጊምና፡ ዳግማ መደባትና ሰሪዕና ካብ ሱዳን ናብ ውሽጢ ኤርትራ ብሰናይ ድልየትና ክንከይድ ሰውራን ህልዊ ሃገራዊ ፖሎቲካዊ ኩነታት ዝጠልቦም ብምንባሮም፡ ኣብ መወዳእታ ናይ 1964 ካብ ሱዳን ተበጊስና ኣስታት 20 መዓልቲ ዝወሰድልና ነዊሕ ጉዕዞና ብሓባር ብኣኽብሮትን ሕድሕዳዊ ምርድዳእን ክንጅምር ኣብ መላእ ኤርትራ ብሕቡእ እንዳተንቅሳቕስና ብስሩዓትና እንዳተሓለናን ተሓገዝናን ንኣስታት 5 ወርሒ ዝኣክል ንሕዝናዮም ዝመጻእና መደባትና ብዓወት ኣስላሲልና ናብ ሱዳን ብሰላም ከም ዝተመለስና ይፍለጥ ኮይነ እቲ ኣብ ጉዕዞና ዝረኣኹዎ ናይ ብጻይ መሓመድ እስማዒል ንዓይ ዓቢ ትምህርቲ ስለ ዝነበረ ካብ ተዘኩሮታተይ ኣይክወልንን።ኣብ ወርሒ ጉንበት ናይ 1965 ንናይ 5 ዓመት ተመኩሮ ሰውራ ኤርትራ ንምግምጋም
ላዕላዋይ ባይቶ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ናይ ፈለማ ኣኸብኡ ኣብ ከተማ ከሰላ ሃገር ሱዳን ኣካይዱ፡ ንዕብየትን ምድንፋዕን ሰውራ ተባሂሉ፡ ኤርትራ ናብ ኣርባዕተ ክፍልታት ተመቒላ ነዚ ሓድሽ ተመኩሮ’ዚ ከም ኣድላይነቱ መምርሒታት ትህብን ትከታተልን ጸብጻባ ናብ ላዕለዋይ ባይቶ እተቕርብን ብሰውራዊት መሪሕነት ትፍለጥ ( ኣልቂያዳ ኣሰውርያ ) ሓደ ካብቶም 9 ኣባላት ኮይኑ ከም ሰክርቴርን ናይ ክፍልታት ተኸታታልን ኮይኑ ብተወፋይነት ይቃለስ ከም ዝነበረ ውን ይፍለጥ።
ኣብ ዓመት ናይ 1971 ኣብቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤኡ ዘካየደሉ፡ ሸኽ ማሓመድ እስማዒል ዓብዱ ሓደ ካብቶም 16 ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ ኮኑ ክምረጽ ከሎ፡ ክሳብ ኣብ ጉንበት ናይ 1975 ካላኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ተጋደሎ ሓርነት ኤርትራ ዝካየደሉ ነቲ ዝተዋህቦ ዓቢ ሓላፍነትን ከም ስክረቴርን ናይ ቤት ጽሕፈታት ኣዋሃሃድን ኮይኑ ሃገራውን ሰውራውን ዓቢ ዕማም ብተውፋይነት ይሰርሓሉ ከምዝነበረ ውን ይፍለጥ።
ኣብቲ ኣብ ካላኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተኻያደሉ መሓመድ እስማዒል ዓብዱ ሓደ ካብቶ 41 ዝተመርጹ ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ ንሃገራውን ሰውራውን ዕማም ንምትግባር ካብቶ ሓልፍነት ዝወሰዱ ኮይኑ ንሓድነት ህዝብን ውድብን ዝምልከቱን ዝእምቱን ንኣብ ውሽጢ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝድለ ዝነበረ ለውጢ ከም ገዲም ተጋዳላይን መስራቲ ሰውራን ኣፉ መሊኡ ይዛረበሉ ስለ ዝነበረ ብመሪሕነት ሰውራዊ ባይቶ ናይ ማእሰርቲ ስጉምቲ ተወሲዱሉ ክሳብ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ተጋደሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባርን ሕድሕድ ኲናት ዘምጸኦ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሓድሽ ተረኽቦን ሓድሽ ምዕባሌን ኣብ ማእስርቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከም ዝነበረ ታርኽ ሰውራና ዝምስክሮ ሓቂ እዩ።
ሸኽ መሓመድ እስማዒል ዓብዱ ከም ምሁር ኣካልን ፖሎቲካዊ ንቕሓት ዘማልአን ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝምልከቱ ንዶሞክራሲያዊ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ዘረጋግጹ ዓበይትን ኣገደስትን ጉዳያት ብጉሁድ እንዳልዓለ ምስ ኩሎም እዚ ጉዳይ’ዚ ዝምልከቶም ሓይልታት ሰውራ ኤርትራ ይዛረበሉ ከም ዝነበረ ውን እቶም ዝተሓላለኹ ንጀብሃ ዓቢ ጸገም ዘምጽኡላ ዝተራእዩ ምዕባሌታት ብሓፈሽኡ እቲ ናይ ነውሕ ተመኩሮ ሰውራ ኤርትራ ዘዘንትዎ ሓቂ እዩ።
ሸኽ መሓመድ እስማዒል ዓብዱ ከም ገዲም ተጋዳላይን ሓደ ካብቶም ዓንዲሑቖን መስራቲ ሰውራን ኣብ ነዊሕ ጉዕዞ ሰውራ ኤርትራ ዝተፋላለዩ ሓልፍነት ዝወሰደ ብምንባሩ፡ ንሕረተሰብ ኤርትራ ብዕምቀት ይርደኦ ስለ ዝነበረ፡ ሕብረተስብ ኤርትራ ብምስልምናን ክርስትናን ዝቖመ ሕብረተሰብ ስለ ዝኾነ ንሱ ብዝዓግበሉን ዶሞክራሲያውን ማሕበራውን ፍትሓውን መሰሉ ተሓልዩሉ ኣብ ህልውን መጻእን ንውሉድ ወሎዶ ተኻባቢሩ ክነብር ምእንቲ ነዚ ድልየታት’ዚ ( ጡሙሓት ) እትውክል ባዕሉ ህዝቢ ብነጻ ድልየቱን ዕግበቱን ዝመረጻ ቁዋማዊት መንግስቲ መታን ክትረጋገጽ ነዚ ነቕ ዘይብል መትከሉን መርገጹን ወሲዱ ምስ ካልኦት ብዙሓት ውፉያት ኤርትራዊያን ብጾቱ ኮይኑ እስላማዊ ሰልፊ ንልምዓትን ፍትሕን ብዝብል ስም መስሪቶም ንነዊሕ ክቃለሱ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ውሽጢ እዚ ደምበ ተቓውሞ ህላውነቶም ብቓልሶም ኣረጋጊጾሞ ምህላዎም ሰፊሕ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣምነሉን ዝምስክሮን ሓቂ እዩ።
ሸኽ ምሓመድ እስማዒል ዓብዱ ኣብቲ ንልዕሊ 40 ዓመት ዘካየዶ ሃገራውን ሰውራውን ቃልሱ ካብቶም ውሑዳት ኩሉ ኣውንታውን ኣሉታውን ተሞኩሮታትን ተረኽቦታትን ዘምጸኦ ምዕባሌታት ናይ ሰውራና ብኣካል ዝነበሮ ኮይኑ ክብ ዝበለ ፖሎቲካዊ ንቕሓትን ብስለት ፍልስፍና ስነ ሓሳብን ዝውንን ብቐሊል መተካእታ ዘይርከቦ ጅግና ኤርትራዊ ዜጋ ኮይኑ፡ ሕያዋይን ምቕሉልን ንነብሰይ ይጥዓመኒ ከይበለ ቀዳምነታት ንሃገርን መቓልስቱን ዝሰርዕ ውፍይ ተጋዳልይ ስለ ዝነበረ ብኾሎም ናይ ነዊሕን ቀረባን መቓልስቱ ዓቢ ኣኽብሮት ከምዝነበሮ ኩሉና እነረጋግጾን ንምስክሮን ሓቂ እዩ።
ወድሰብ ክውለድን ኣብዛ ግዜያዊት ዓለምና ክነብርን ክመውትን መስርሕ ናይዛ ዓለምና ስለ ዝኾነ እንሆ ሓው መሓመድ እስማዒል ዓብዱ ወላ ዘይተጸበናዮ ሃንደበታዊ ሞቱ እንተሰማዕና ብሞት ይፈለየና ደኣምበር በቲ ሰውራዊ ታሪኻዊ ኣመጻጽኡኡን ኣብ ዝተናውሐ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮ ግደን ዘጥረዮ ብጻያዊ ዝምድናን ንውሉድ ወለዶ ዘይሃስስ ሽምዓ ኮይኑ ክዝከር ክነብር እዩ።
መሓመድ እስማዒል ዓብዱ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሹዱሽተን ክኸውን ከሎ ንሳቶም፡
1 ዶክቶራ ነዋል መሓመድ እስማዒል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ከሰላ ብሕክምና ተመሪቓ
2 ዶክሮቶራ መዋህብ መሓመድ እስማዒል ኣብ ዩኒቨሲቲ ሸንዲ ሱድን ሕክምና
3 ዘይነብ መሓመድ እስማዒል ካርቱም ዩኒቨርሲቲ ናይ ቁጠባ ምርቕቲ
4 ሃናእ መሓመድ እስማዒል ኣብ ካርቱም ዩኒቨርሲቲ ብስነ ጽሑፍ literature.
5 ዓብዱራሕማን መሓመድ እስማዒል ካርቱም ዩኒቨርሲቲ ብንግዲ ተመርቑ
6 ሁዳ መሓመድ እስማዒል ዓብዱ ካርቱም ዩኒቨርሲቲ ብ ቁጠባ ተመሪቓ።
ሸኽ መሓመድ እስማዒል ዓብዱ ምሉእ ሂወቱ ንሃገርን ህዝብን ዘወፈየ ንጹህ ኤርትራዊ ዜጋ ክነሱ ብሰንኪ በሓትነት ምልካዊ ስርዓት ኣስመራ ከምቶም ብዙሓት መቐረት ናይ ናጽነት ከይረአዩ ክብሪ ሃልዩዎም ኣብ ዓዶም ሓመድ ኣዳም ከይለብሱ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ይቕበሩ ምህላዎም ኣዝዩ ዘሕዝን ዘተሓሳስብን ወላ እንተኾነ እዚ ዝተጠቕሰ ሂያው ዝኾነ ታሪኹ ኣብዚ ንሃገርና ዘንጸላልዋ ዘሎ ከቢድ ፖሎትካዊ ኩነታት ኣብ እነካይዶ ቃልስና ሓድነትና ኣደልዲልናን ኣረጋጊጽናን ንምልካዊ ስርዓት እስመራ ንምልጋስ ታቓውሞና ከም ዘሐይሎን ከም ንዕወትን ኣይንጠራጠርን።
ኣብ መዳምደምታ፡ ብስም ኩሎም ገዳይም ተጋደልትን ህዝቢ ኤርትራን ኣላህ ምስቶ ጻድቃናት ኣብ ሰፊሕ ዳሩ ይቀበሎ፡ ንክብርቲ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ንኹሉና ጽንዓት ይሃበና ኣሜን።
ናይ ነዊሕ ጉዕዞ ብጻዩ
መሓመድ ብርሓን ብላታ።

اللهم اجعله عندك خير مما نظن

اللهم اجعله عندك خيرا مما نظن
بقلم / محمد عمر مسلم
2008/10/13

كان الشيخ محمد إسماعيل قائدا وطنيا فقده الوطن ومجاهدا مقداما فقدته الحركة الإسلامية، لم يخن أمته يوما، وثبت في دينه حين زلت أقدام واتخذت من الإلحاد دينا، ودافع عن الإسلام عقيدة وفكرا وثقافة، ولاقى في سبيل ذلك أذى كثيرا من سجن وتعذيب، فلم تهن منه عزيمة ولم تفتر منه همة، وساهم في تأسيس الحركة الإسلامية مع إخوانه من قيادات الحركة الإسلامية، تألم كثيرا وحزن لمعانات شعبه الذي ناضل وجاهد من أجل عزته وكرامته وحريته.
فليست هناك مصيبة أعظم من فقد الأمة حبيبها ورسولها عليه الصلاة والسلام إذ يقول ( فان أحد من أمتي لن يصاب بمصيبة أشد عليه من مصيبتي ).
نعزي أسرة الفقيد والحزب الإسلامي للعدالة والتنمية والحركة الإسلامية، والشعب الإرتري عموما، كما كان يعزي الصديق رضى الله عنه ، فنقول تذكروا فقد رسول الله صلى الله عليه وسلم تصغر مصيبتكم، وأعظم الله أجركم.
فقد أقبل شيخنا إلى رب غفور رحيم غير مبدل ولا مبتدع نحسبه والله حسبه، تاركا تجربة ثرية وأمانة عظيمة لمن بعده ، اللهم لا تفتنا بعده ولا تحرمنا أجره، اللهم تجاوز عنه وأكرم نزله، اللهم تقبل جهده وبذله وعطاءه وبارك اللهم وأصلح ذريته، للهم اجعله خيرا مما نظن.

فى رثاء ابو نوال

بسم الله الرحمن الرحيم

في رثاء أبي نوال


1 ـ نعد المشرفيـّـــــة والعوالــــــــــي ونجمع حشدنا يــــوم النـــــزال
2ـ ونرقـــب فجـــــر نصر نرتجيــه لكي نلقاه نستبـــــــق المعالـــي
3ـ مواكبـــنا تـــــزف اليه لكــــــــن نقاسي الرزأ فيك أبا نــــــــوال
4ـ رحلـــت اذا أقــــام الحزن فينـــــا وغبت فدتـــك أرواح الــرجال
5ـ وقــــد خلفــت ذكــــري أي ذكــري تمنتـــــها البواقـي والخوالــــي
6ـ بفقـــــــدك يفقـــد المحراب عبــدا يسيــــل الدمع في جنح الليالــي
7ـ بفقـــــدك يفقـــــد الميدان جيشــــا تخــــر لبأســـه شــم الجبــــــال
8 ـ أشعــــب أريتريا استنجد بصبـــر وكيف الصبــــر والمفقود غالي
9 ـ عليك سحائب الرحمات تزجــي من الرحمــــن ربي ذي الجلال
10 ـ فطــــب حيا وميتــــا في نعيـم لأنــت القائـــد الفـــذ الرسالـــي

ماهر عثمان
الكويت
10/10/208